you're reading...
News

ዕዉት ኣኼባ መንእሰያት ኣብ ከተማ ማንሃይም

By Haddish Goitom

>> Click here to see PHOTO REPORTAGE

ብዕለት 15. 09. 2012 ኣብ ከተማ ማንሃይም ዕዉት ኣኼባ መንእሰያት ተኻይዱ። ኣብዚ ብመንእሰያት ማንሃይም ዝተጸወዐ ኣኼባ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ፍጹም ሳህለ ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ኣኼባ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ናይ ስደት ሂወቶም መንነቶምን ባህሎምን ዓቂቦም ክቕጽሉን ነቲ ኣነ መን ኢየ? ዝብል ሕቶ ብርእሰ ተኣማንነት ክምልሱ መሰረታዊ ምዃኑን ድሕሪ ምግላጽ። ነዚ ንምርግጋጽ መስንእሰያት ናይ ገዛእ ርእሶም ውዳቤ ከም ዘድሊ ብምግላጽን፡ ነዚ ዝምልስ ዕዉት ኣኼባ ክኾነሎም ተመንዩ።

ቀጺላ ሓላፊት መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ጀርመን ወ/ት ሰምሃር ተኸስተ ዕላማን ኣቃውማን መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብሰፊሑ መግለጺ ኣቕረባ። ኣብ መግለጺኣ መሰረታዊ ዕላማ መንእሰያት ህግደፍ፡ ምህናጽ ሓያል፡ ንቑሕ፡ ዝተወደበን ሃገራዊ መንእሰይ ምዃኑ ኣብሪሃ። ቀጺላ ንኣገባር ኣሰራርሓ፡ ዘለዋ ናይ ስራሕ ኮሚቴታትን መደባትን ንተሳተፍቲ ብዝርዝር ኣረዲኣ።

ኣብ ዝቐረበ መግለጺ ሰፊሕ ናይ ሕቶን ርእይቶን መድረኽ ብምኽፋት፡ ንዝቐረቡ ሕቶታት ድሕሪ ምምላስ፡ ኣብዞም ክልተ ነጥብታት ሰፊሕ ናይ ሓሳባት ምልውዋጥ ተኻይዶም።

መንነት ምዕቃብን ምቕጻልን ብኸመይ? ኣየናይ መልክዕ ናይ ውዳቤ ምስ ዓቕምናን ኩነታትናን ይኸይድ? ዝብል ብዘተን ኽትዕን ድሕሪ ምብሳሉ፡ ናይ መንእሰያት ውዳቤ ኣብ ከተማ ማንሃይም ንምቛም ሓባራዊ ምርድዳእ ተገይሩ። ኣብ መወዳእታ ሰለስተ ዝኣባላታ ግዜያዊ ኮሚቴ ኣቚሞም።

ኣብዚ ኣጋጣሚ ኣቶ ቴድሮስ ጐይትኦም ሓላፊ መንእሰያት ህግደፍ ኤውሮፓ ትረኺቡ፡ መንእሰያት ነዊሕ ጠመተን ራእይን ክህልዎም ከምዝግባእን መንእሰያት ማንሃይም ነዛ መዓልቲ’ዚኣ ከም መበገሲ ወሲዶም ታሪኻዊት መዓልቲ ክገብርዋን ንዝለዓለ ሓላፍነት ቁሩባት ብምዃን ሓላፍነቶም ከሰክሙን ዓቢ ናይ ገዛ ስራሕ ይጽበዮም ከምዘሎ ምኽሩ ለጊሰሎም።

እዚ ኣስታት 50 መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ኣኼባ መንእሰያት ሃገራዊ መንፈስ ብዝዓሰሎ ልዙብ ምርድዳእ ብዓወት ተዛዘመ።

ዓወት ንሓፋሽ

ክፍሊ ሓብሬታ ከተማ ማንሃይም
ታደሰ ዑቕባ ጋብር 

Discussion

No comments yet.

Leave a comment

Archives

www.raimoq.com

www.raimoq.com

// raimoq MUSICA

geez font

September 2012
M T W T F S S
 12
3456789
10111213141516
17181920212223
24252627282930

Eritrea is Beautiful

Ad